Sorry! The information you are looking for is only available in Dutch.
Deze opleiding is opgeslagen in Mijn Studiekeuze.
Er is iets fout gegaan bij het uitvoeren van het verzoek.
Er is iets fout gegaan bij het uitvoeren van het verzoek.

ጸገማት ናይ ምእላይ ሜላ፣ ፒ.ኤም.ፕላስ (PM+)

ፕሮግራም PM+ዝማዕበለሉ ምኽንያት ኣብ ጥቕሚ ናይ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምኡ`ውን ትሑት-ዓቕሚ   ኣብ ዘለወሉ ኩነታት ንኽውዕል ተባሂሉ እዩ። እቶም ፕሮግራማት ሓጸርቲ ኮይኖም ብስልጠና ዝወሰዱ ተራ ሓገዝቲ(helpers) ክወሃቡ   ዝኽእሉ እዮም።

ንሓደ ዓይነት ሕማም ዘይኮነስ ንዝተፈላለየ ምልክታት ኣእምሮኣዊ ምዝንባል እዮም ዘተኩሩ። ብግቡእ ኣብ ዝተፈተነ   ኣእምሮኣዊ ጠባይን ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ዝሕግዝ ሜላታትን ዝተመርኮሱ እዮም።

PM+ ፕሮግራም ሓጺር ኣፈዋውሳ ኮይኑ ብድምር 6 ክፍልታት (sessions) የጠቓልል።ልክዕ ከም ናትካ ባህላዊ ድሕረ ባይታ ብዘለዎም፣ ዝሰልጠኑ፣ ዘይፕሮፌሽናላት ወሃብቲ ክንክን ድማ ይወሃብ። እቲ ናይ PM+ ክፍልታት ድማ ብቋንቋ ናይ ሃገርካ ወይ ብቋንቋ ኔዘርላንድ (ከም ምርጫኻ) ዝወሃብ ኮይኑ፣ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ (session) ድማ 75 ደቓይቕ ይወስድ።

ብዛዕባ ዘለካ ምልክታት ናይ ጸቕጢ (ጭንቀትካ) ንኣማኻሪ ናይ PM+ ክትዛረቦ ኢኻ። ኣብ እዋን ናይ PM+ ፕሮግራም ድማ ብዛዕባ ዘለዉኻ ምልክታት መግለጺ ክወሃበካ እዩ፣ ውጥረት (ጸቕጢ) ንምንካይ ድማ ልምምድ ክትገብር ኢኻ። ንኣብነት ኣማኻሪ ናይ PM+ ምሳኻ ናይ ምስትንፋስ ልምምድ ኪገብር እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ንዚርአ ምልክታት ጭንቀት ብኸመይ ክትገጥሞ ከም እትኽእል ምኽሪ ክወሃበካ እዩ። ኣብ ክፍለ ግዜ PM+ኣብ ኣእምሮኣዊ ጠባይ ተመርኲስካ ዚግበር ሕክምና (cognitive behavioural therapy) ኣብ ጥቕሚ ይውዕል። ሕክምና ኣእምሮኣዊ ጠባይ ንኸም ምፍዛዝን ጭንቀትን ዝኣመሰለ ምልክታት ኣእምሮኣዊ ምልክታት ንምንካይ ውጽኢታዊ ዀይኑ ተረኺቡ እዩ።

ኣብዚ መጽናዕቲ እዚ ሓድሽ ክፍሊ (module) ናይ PM+ እውን ኪጠቓለል እዩ። እዚ ሓድሽ ክፍሊ (module) እዚ ድማ PM+EP ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ርእሲ እቲ ኻልእ ስትራተጂታት PM+ ድማ፣ ተሳተፍቲ ኣብ ስምዒታዊ ትንተናታት (emotional processing) ንኺሳተፉ ዚሕግዝ ተወሳኺ ክፍሊ እውን ኣለዎ። ኣብ እዋን ስምዒታዊ

ትንተና፣ ኣማኻሪ PM+ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትካ ዘጋጠመካ ኣወንታውን ኣሉታውን ፍጻመታት ክትዛረብ ክሓትተካ እዩ።

ልክዕ ከምቲ ስሩዕ PM+, PM+EP እውን ሽዱሽተ ክፍለ ግዜታት (sessions) የጠቓልል። ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ግዜ ኸኣ 75 ደቒቕ እዩ ዝወስድ።

Contact | Контакт | መገናኛ | اتصال

06-10159719 (українська)

06-43214953 (ትግርኛ)

06-43218773 (لِلُّغة العربية) 

Faculteit der Gedrags- en Bewegingswetenschappen
Van der Boechorststraat 7-9
1081 BT Amsterdam